Type your paragraph here.


08/25/2014

ሓረጉ ቐለታ

ሓንቲ ቆጽሊ ካብቲ ጣሻ


ኣስታት 31 ዓመት ኣቢሉ ይገብር እየ ኣብ ሓበላ (ከባቢ ባድመ) ምስ ጸጉ ፍስሃየ ሳልሳይ ርእሱ ምስኡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ምስ ዝነበሩ ሓለፍቲ ብጾቱ ወዲ ኢሳቕን ወዲ ጸጋይን ተራኺብና ንምጀመርታ ግዜ ሰላምታ ተለዋዊጥና።  ወዲ ኢሳቕ ነቲ ዕላል ብጭርቃን ከም ዝዓብለሎ ቀቁሩብ እዝክር። ምስቲ ጀብጀብ ጸጉሪ ዝነበሮ ጸጉ ግን እዚኣ ተባሂልና ክብል ኣይክእልን። ድሕሪኡ ኣብ ሜዳ ይኹን ድሕሪ ነጻነት ካብ ናይ ዉሑዳት መዓልቲ ናይ ማዕዶ ምርእኣይ ሓሊፉ  ዘዕለልናሉ መዓልቲ ኣይነበረን። ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ይገብር ንጸጉ ክሓቶ ዝደለኹ ሓበሬታ ስለ ዝነበረኒ፡ ቴሌፎን ክህበኒ ይኽእል እዩ ንዝበልክዎ ናይ ክልቴና ፈላጢ ደዊለ። ኣብ ምድዋል ንፍዕቲ ስለ ዘይኮንኩ "ብጌጋ ዲኺ ደዊልኪ" መሊሱለይ "ናይ ጸጉ ቴሌፎን ክትህበኒ ደልየ 'የ፡ ብዙሕ ስለ ዘይንፋለጥ ድማ ከመይ ይቕበለኒ ተሰኪፈ ንስኻ ዶ ኣቐዲምካ ምደወልካሉ" ክብል ልመና ብዝመስል መንገዲ ሓተትክዎ። "ጸገም የለን ቴሌፎኑ ክህበኪ እየ፡ ጸጉ ድማ ከም 'ዚ ዝመስለኪ ዘሎ ኣይኮነን፡ ምቕሉል 'ዩ፡ ኣጋጣሚ ኣይጠዓሞን 'ምበር ኣብ መርዓና ምተራኸብኩም ኔርኩም፡ ጽቡቕ ጌርኪ ምፈለጥክዮ ኔርኪ" ኢሉ ከይተሰከፍኩ ክረኽቦ ኣተባቢዑኒ።   


ጸጉ ነታ ናይ መጀመርታ ደወል ኣብ ስራሕ ከሎ ተመቕሊሉ እዩ ተቐቢሉኒ። ደጊሙ ደዊሉ ዘድልየኒ ሓበሬታን ምኽርን ሂቡኒ። ኣቀባብልኡ ካብ 'ቲ ብናይ ክልቴና መሳርሕቲ ዝነበረ ዝተነግረኒ ንላዕሊ ምቕሉልን ክትብሎ ዝደለኻ ክትብሎ እትኽእልን ኮይኑ እዩ ጸኒሑኒ። ኣብታ ሓጻር ርክብና መጽሓፍ ይጽሕፍ ከም ዘሎ ኣዕሊሉኒ። እቲ ዝጸንሓኒ ሌላ "ጽቡቕ ነፊዕካ 'ምበር  መዓስ ከተሕትማ ኢኻ" ካብ ምባል ሓሊፈ እንታይ ዓይነት መጽሓፍ ይጽሕፍ ከም ዘሎ ከሕትት ዝኽእል ኣይነበረን። ክልተ ኣዋርሕ ይገብር ካብ ምዕራባዊ ገማግም ካብ ስያትል ናብ ምብራቕ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ስለ ዝኸድኩ ነቲ ካብኡ ዘድልየኒ ሓበሬታ ንከጣልል ብኣካል ንክንራኸብ ተረዳዲእና፡ ኣብ ቀዳማይ ቆጸራ ብናተይ ጉድለት ክንራኸብ ኣይከኣልናን። ኣብ ካልኣይ ቆጸራ ከኣ ጸጉ ኣጋይሽ ስለ ዝነበርዎ ተራኺብና 'ምበር ኣዕሊልና ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብዛ ሓጻር እዋን መጽሓፉ ኣብ ማሕተም ከም ዝ ኣተወት ነጊሩኒ። እቲ ምዕባለ ቀልጢፉኒ። ኣር እስትን ገበርን ናይታ መጽሓፍ ርእየ ዝሓዘቶ ኩርናዕ ስለ ዝገመትኩ ተሓቲማ ንከንብባ ተሃዊኸ። ካብ ቤት ማሕተም ትኽ ኢላ ናብ ኣድራሻይ ስለ ዝመጸት ድማ ሽዑ ንሽዑ ከንብባ ጀሚረ።


ብሓጺሩ "መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ" ምስ ኣንበብኩ፡ እቲ ቅድሚ 31 ዓመት ዝረኣኽዎ ጸጉ ኣብኣ ኣጸቢቐ ረኺበዮን  ንመጀመርታ ግዜ ኣዕሚቐ  ኣዕሊለዮን። እዛ መጽሓፍ ምስ ገንጸልካያ ትዕጸፍ ስለ ዘይኮነት ምስ 'ቲ ንመጀመርታ ግዜይ ዘጓነፈኒ ናይ ሕማም ኩርምቲ ቃንዛ እናተቓለስኩ እየ ኣምቢበያ። ጸጉ፡ መንእሰይ ወዲ ከተማ፡ ሓጎስን ምረትን ዘስተማቐረ፡ ተራን ሓላፊን ተጋዳላይ፡ ብጾቱን ኣሕዋቱን እታ ዘይትጸግብ ከርሲ ኤርትራ ውሒጣቶም ዝተረፈ ውጻአ መዓት፡ ንትምህርትን ፍልጠትን ዝናፍቕ ኣእምሮ ዝውንን፡ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘአንግድ ተጻዋርነት ዘማዕበለ፡ ሓጎስን ምዝንጋዕን ዝፈቱ፡ ባህግታቱ ከይሓብአ ዝገልጽ ክፉት ኮይኑ እዩ ጸኒሑኒ። ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ንኤርትራን ህዝባን ነቲ ኩሉ ዝሓለፎ ሓጎጽጎጽ ዝሃቦ ክብረትን ዘለዎ  ሰናይ ራእን መርኣያ ብስለቱን ጽኑዕ ሃገራዊ ፍቕሩን ዘረጋግጽ ኮይኑ ተሰሚዑኒ።


ኣብ መጽሓፍ "ሕብእቲ ሰልፊ" እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ ጸጉ ባዕሉ እዩ። እቲ  ዝገበሮ፡ ዝረኣዮ፡ ዝተነግሮ 'ዩ ከይሓብአ   ዘዕልለና ዘሎ። ብዛዕባ ዝተሓብኣት ሰልፊ እናኣዕለለ ንባዕሉ ክሕባእ 'ኳ እንተ ዘይተጸበኽዎ፡ ካብ 'ቲ  ኣስታት ክልተ ሲሶ ናይ ዕድሚኡ በሊዑ ይኸውን ኢለ ዝግምቶ ናይ ገድሊ ዕጹው ፖለቲካዊ ኣከያይዳ ተገላጊሉ ከም 'ዚ ዓይነት መጽሓፍ ክጽሕፍ ምኽኣሉ ኣሞጊሰዮ።


እዛ መጽሓፍ እዚኣ  ታሪኽ ናይ ሓደ ተሓቢኡ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሰልፍን መራሒኡን ጥራይ እተዘንቱ ኣይኮነትን። እቲ ዉሑድን ድኻን ህዝቢ ኤርትራ ብጎረቤት ሃገር ተጎቢጡ  ከሎ፡ ብሓያላት ሃገራት ዓለም ተዘርዩ ንጥፍኣት ምስ ተፈርደ፡ ከመይ ኢሉ ሰሚሩ ዓለም ተቐሲቡ ንክቕበሎ ዓቢ ታሪኽ ከም ዝሰርሐ ንከዘኻኽረና፡ ወራራት፣ መረርቲ ውግ ኣት፣ ኣብ ገጠራትን ከተማታት ኤርትራ ዝነበሩ ዉፉያት ሓፋሽ ውድባት ዝሰርሕዎ ኣደናቒ ምስጢራዊ ስራሓትን ዝኸፈልዎ መስዋእትን፣ እቲ ልቡ ኣንጺሁ ዝወፈረ ተጋዳላይዝተጻወሮ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን ዝሰርሖ ተኣምርን፣ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራ  ዝተኻየደ ኲናት ሕድሕድ፣ ዝምድና ህዝባዊ ወያነን ህዝባዊ ግንባርን፣ ኩነታት ምሩኻት፣ ብዛዕባ ሃይማኖታትን ኣመንተንን፣ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ነጻነት፣ ብዛዕባ ጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን ተምሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲትን  ኮታ ብዛዕባ ምድስካሉን ናይ ስደት ጉዕዞኡን ዘይተንከፈቶ ኣር እስቲ የልቦን።


ከም ዝተረዳእክዎ፡ ጸጉ  ነዛ "ሕብእቲ ሰልፊ" ከም ተፈይቶ (መሕቆኒ) እዩ ተጠቒሙላ። እቲ ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ቁሩቁስ፡ ብከምቲ ናይ ጸጉ ኣገላልጻ እቶም ኣፍራስ ነቶም ኣግማል ከመይ ጌሮም ከምዝተክእዎም ወይ ውን ከመይ ጌሮም ንክትክእዎም ከም ዝተገብረ፡ ሳዕሪ ስለ ዝኾንኩ

እንዳ ተጎዳእኩ እየ ኣምቢበዮ። ንፍቶ ንጽላእ ኣካል ታሪኽና እዩ። ምስጢራውነቱ ውን ክሳብ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዝግለጽ ይንበር 'ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ድሕሪ ዕስራ ዓመት እንተኾነ 'ውን ብዙሓት ተጋደልቲ ብዛዕብኡ ክጽሕፉ ይትረፍሲ ከዕልሉሉ 'ውን ኣይደፍሩን 'ዮም እሞ ኣገናዕ ጸጉ። ካልእ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ብልጫ ጽሬት ቋንቃ እዩ። እሩም ምሉእ ሓሳባት፡ ዋሕዙ ዘየጥፍአ ቀሊል ኣዘናትዋ፡ ነዛ መጽሓፍ ተነባቢት ይገብራ። ጉድለት ስርዓተ ነጥብን ቃላትን ሃሰስ ኢልካ ኢኻ ሓደ ክልተ እትረክብ። ቴክኒካዊ ኣቀራርብኡ  ድማ ጸጉ፡ እቲ ስነ ጥበብ ብሓፈሻ እቲ ስነ ጽሑፍ ከኣ ብፍላይ ዝህቦ ነጻነት እዩ ተጠቒሙ።


ጸጉ ንመብዛሕትኡ ዘልዕሎ ጉዳያት፡ በቲ ንሱ ዝተዋሳኣሉ መኣዝን ሒዙ ጥበብን ጽባቐን ወሲኹ  እዩ ኣዕሊሉና ።ክም ኩሉ ተጋዳላይ ጸበብኡን ተስፍኡን ከይረስዐ፡ ኣብ ሕዛእቲ ተኣሲሩ እምባሕ ክብል ከሎ ውን ስለ ዘይሓብኣልና፡ ዛንትኡ ተኣማኒ ይገብሮ። ናይ ምዝካርን ምትእስሳርን ክእለቱ ተዓዲሉ እዩ ዘብል። ከንብባ እንከለኹ ነቶም ኣነ 'ውን ዝፈልጦም ክርስዑ ደልዮም ኣብ ኣእምሮይ ጭልምልም ዝብሉ ዝነበሩ ፍጻሜታት፡ ባውዛ ከብርሃሎም ከሎ ተፈሊጡኒ። ዋዛ 'ውን ኣይጽልኦን እዩ ዝመስል ጸጉ።


ኣብዛ መጽሓፍ "ኣነ የለኹን ኣይምልከተንን እዩ" ክብል ዝኽእል ዘሎ ሰብ ኣይመስለንን። ልክዕ ከምቲ ዘይተጻህየየ ግራት ምስቲ ኩሉ ዘሐብንን ዘሕዝንን ታሪኽና ኣብኣ ኣለና። ናብ ዘዝማእምኣና ከየቕነንና   ከምቲ ዝኾኖ ኴና ብምቕራብ ክንመሃረሉን ንመጻኢ ትውልዲ ክንገድፈሉን ግቡእና 'ዩ። ጸጉ ብመገዲ እዛ መጽሓፍ "እታ ሕብእቲ ሰልፊ" ነቲ ባርዕ ኣትይዎ ሓሙኽሽቲ ከይከውን ዘፍርሕ ዘሎ ጣሻ ታሪኽና ፡ ሓንቲ ቆጽሊ ኣልዒሉሉ ኣሎ 'ሞ ሃየ ሓሓንቲ ቆጽሊ ብምልዓል ንስዓቦ። ጸጉ ድማ ካልእ መጽሓፍ ክትውስኸና ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ የቐንየልና።